Ermias Kidane Haileslasie

August 22, 2019 2 Condolences Print Obituary Send Flowers

ኤርሚያስ ኪዳነ  ሃይለስላሴ

25 ጥሪ 1981 – 15 ነሓሰ 2019

ኣቶ ኤርሚያስ ኪዳነ ሃይለስላሴ ካብ ኣቦኡ ኣቶ ኪዳነ ሃይለስላሴን ከምኡ፡ውን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣበባ ዑቕባገብርኤልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ጥሪ 25, 1981 ዓ.ም.ፈ. ተወሊዱ። ብንኡሱ ብክንክን ወለዱ ተሃኒጹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2ይ ደርጃ ትምህርቱ ኣጠናቒቑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከሎ በቲ ንኡስ ዕድሚኡ፥ በቲ ዝነበረ ኩኑታት፥ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ስድራ ቤቱ ተፈናቒሉ ናብ ኤርትራ ብ1999 ዓ.ም.ፈ. ኣትዩ፥፡  ኣብ ኤርትራ ከም ኩሉ ኤርትርዊ መንእሰይ ኣብ ሳዋ ኣገልግሎት ፈጺሙ ብድሕሪኡ ከኣ ንስደት ናብ ሱዳን ኣምሪሑ።

ካብ ሱዳን ብ 2003 ዓ.ም.ፈ. ኣብ Edmonton ምስ ኣልጋነሽን ሰናይትን ኣሕዋቱ ብዓቢ ሓጎስ ተጸንቢሩ።

ብ15 ነሓሰ 2019 ዓ.ም.ፈ. ካብዛ ዓለም ስጋብ ዝፍለ፥ ብፍቕርን ስኒትን ህይወቱ ይመርሕ ኔሩ፡፡ ብምሉኣት ስድራ ቤትን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከኣ በቲ ሰሓቑን ዕላሉን ጸወትኡን እናተዘከረ ክነብር ኢዩ።

  1. May Ermias’s soul rest in peace and May God give strength to his family on this tough time.
    Yordanos from Edmonton

  2. ናይ ኤርምያስ ሞት ምስመዓኩ ኣስንብዱኒ እዩ ኤርምያስ ምሳባት ምሳባት ዘለዎ ሕውስነቱ ፍልዩ መለልዩ ባሕርዩ ኔሩ ብፍላይ ነብሱ ንምካል ኣብ ዝገብሮ ጽዓሪ ንመስቱ ኣርኣያ ኔሩ ናይ ኤርምያስ ጽቡቅ ነገሩ ጽብጺብካ ዝውዳ ኣይኮነን ክምዚ ዝመስለ ኣብ ንዑስ ዕድሜ ብሞት ክፍለየን ኮሎ መሪር እቲ ሓዘን ብፍለይ ንስድርኡ ዝከፈ ኣዩ።
    ኩሉትና ጽባሕ ክንስዕቦ ኤና ንቶም ዘለው ስድራ ጽንዓት ያሓብኩም ንመዋቲ መንግስተ ስማያት የቀበሎ

Leave a message of Condolence

Your email address will not be published. Required fields are marked *